ብዛዓባና

ኽቪኑሹረን (መዕቆብ ደቂ-ኣንስትዮን  ቆልዑን) ሓደ እኖጣዊ ማሕበር ኾይኑ ጸረ ጎነጽ ብደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮን ቆልዑትን ዝግበር ጭቆናን ውርደትን ዝጣበቕ እዩ፡፡ መሰራት መርገጽና ማዕርነትን ምትሕግጋዝን ኢዩ፡፡   

ብ ተለፎን፡ኢ-ማይል ወይ ሻት ክትረኽባና ትኽእላ፡፡

ስመ-ኽዉል ስም ክትኮኒ ፍቁድ ኢዩ፡፡ ን ደቀንስትዮ ንሕግዝ ብ መሰረት እቲ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንገዛእ ርእሳ ዘድልያ ነገር. ደገፍና ን ኣንስቲ ብኻለኦት ኣንስቲ ዝብደላ ውን የጣቓልል፡፡

ብዛዕባ ጎነጽ

ጎነጽ ደቂተባዕትዩ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃ ሕበረተሰብ ኢዩ ዝፍጸም፡፡ እቶም ደቂተባዕትዮ  ፈጸምቲ ጎነጽ ዝተፋላለይ ድሕረባይታን ደረጃ ትምሕርቲን ሞያን ዘለወም ኢዩም፡፡

ዝተፋላለየ ዓይነት ጎነጽ:

·      ኣካላዊ ጎነጽ - ማህረምቲ፡ ምድፍፋእ፡ ጾጉሪ ምስሓብ፡ ምቕላዕ፡ ጨቢጥካ ምሓዝን ምሕናቕን፡፡ ከምኡ ውን ምቅንጣው፡ ምንካስ፡ ማህረምቲ ብዝኾነ መሳርያ፡ ትንፋስ ምኽላእ፡ ርእሲ ምጥላቅ ወይ ብኻራ ምጉዳእ ክኽውን ይኽእል፡፡

·      ቅሳነት ምኽላእ- መደባትክን ተለፎንክን ዝውቱር ልሙድ ይኸውን፡ ክምኡ ውን ምቁጽጻርን ሪኢቶን ኣብ ኣካዳድናኽን ምስልኽን ይዝውተር፡፡ ደቕኺ ክወስዶም ኢሉ የፋራራሓኪ፡ ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ሰብ ክሃስዮም፡ ንዓኺ ክቕትለኪ ውይ ንኻለኦት እንዳ ብልካ ምፍርራህ፡፡

·      ናይ ስጋዊ ርኽብ ጎነጽ – እዚ ብዛዕባ ቅሳነት ምኽላእ፡ ውርደት፡ ንቆልዓ ኣታሊልካ በደል ምፍጻም  ወይ ዓመጽ የጣቓልል. ከምኡ ውን ብዘይ ድልየትካ ናይ ስጋዊ ርክብ ንጥፈት ምፍጻም ወይ ኣብ ፖርኖግራፊ ፊልም ምቕራጽ የጣቓልል፡፡

·      ቁጠባዊ ጎነጽ – ማለት ንብረትክን ቊጦባኺን ባዕልኪ ክትቛጻጸሪ ዘይፍቀደኪ ወይ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቁጦባኹም ኣይትዋሃብን፡፡ ቁሩብ ገንዘብ ትዋሃቢ ግን ዝገበርክዩ ዕድጊ ጸብጻብ ከተቕርቢ ይግድደኪ፡፡ ብ ሽምኪ ተለቂሑ ኣብ ዕዳ ከእትወኪ ይኽእል፡

·      ንብረታዊ ጎነጽ – እዚ ብዛዕባ ንብረትኪ፡ ናውቲ ገዛኺ፡ ተለፎን ወይ ካልእ ትፈትውዮ ነገር ከባላሽወልኪ ከሎ ማለት ኢዩ፡፡

ኣብ ርእሰኺ ጎነጽ ወሪዱኪ ድዩ

ብዘይ ቅድመ ኩነት ኢና ንቕበለኪ. ንኽተሎ ነጥቢታት ዝሓዘ መዝገብ የብልና፡፡ እንታይ ድኣ፡ ንዓኺ ጽን ኢልና ምስማዕን እቲ ዘሎ ኣማራጺታት ንክረኣየክን ኢና ንድግፈኪ፡፡ ብሓባር ምሳኺ ኮይና ከመይ ጌርኪ ንቅድሚት ከምትስጉሚ መንገዲ ነናዲ፡፡ ብዘይ ናትኪ ፍቶት ዋላ ሓንቲ ንገብሮ የለን፡፡ ድልየትኪ እንተዘይ ኮይኑ ን ፖሊስ ኮነ ን ማሕበራዊ ጉዳይ (socialtjänst) ኣይንሕብርን ኢና፡፡

 ገሊአን ኣንስትን ቆሉዑትን ብህጹጽ ምሳና ክቕመጣ ከድልየን ይኽእል ኢዩ፡፡ ገሊአን ናይ ደገፍ ልዝብ ምስ በዓል ሞያ ከድልየን ይኽእል፡፡ ወይክኣ ኣብ ጎድነን ኮይና ኣብቲ ዝግበር ርክብ ምስ ፖሊን፡ ማሕበራዊ ጒዳይን ወይ ካለኦት መንግስታውያን ትካላት ደገፍ ክንኮነን ይደልያና፡፡

 እንድሕር ክትፋላለይ ሓሳብ እንተለኪ ቡዙሕ ነጥብታት ኣሎን ኣብ ግምት ከተእትውዮ ዘድልየኪ፡፡ ኣብ ናይ ውሕስነት ውጥን ምውጻእ ክንተሓባበረኪ ንኽእል ኢና፡፡

 ክትዝክርዮ ዘለኪ ስመ-ኽዉል ክትከውን ፍቁድ እዩ፡፡

ንስኺ ክብርቲ ኢኺ
ስብ ብፍቕርን ክብርን ክቐርበኪ መሰልኪ ኢዩ.፡፡ ኣብ ሂወትክን ነብስኽን ከም ድልየትኪ ክትገሪ ምሉእ መሰልኪ ኢዩ፡፡ 

ጎነጽ ገበን ኢዩ
ኣብ ልዕሊ ሓደ ወዲ ሰብ ጎነጽ ምውራድ ገበን እዩ፡ ይቕጽዕ ውን ኢዩ፡፡ እቲ መብዛሕትኡ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ጓልኣንስተይቲ ብሓደ ስባኣይ መቃርብታ ዝኾነ ኢዮ ዝፍጸም፡፡ ኣብ ሽወደን  ካብ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሌኽን ኣብ ልዕሊ ደቅኽን ጎነጽ ዘውርደልኪ ንኽትፋለለዪ ሓገስ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡፡

ስለምንታይ ዘይትኸዲ?
ምናልባት እዛ ሕቶ ንነብስኺ ሓቲትክያ ትኾኒ፡፡ ግን ውላ እቲም ብ በደል ዝፋላለዩ ዝምድናታት፡ ኣብ መጀመርያ ብ ፍቕሪ ኢዩም ጀሚሮም፡፡ ናይ ሓባር ቆልዑ ምስ ዝህልውካ ኻኣ ነቲ ናይ ምፍልላ ውሳኔ መሊሱ ከበርተዖ ይኽእል ኢዩ፡፡ 

ብዛዕ እንታይ ክምዝወረደኪ ምናልባት ንዝኮነ ሰብ ኣይሓበርክን ትኮነ፡፡ በዚ ሕቶ እዚ ንስኪ በይንኪ ኣይኮንክን፡፡ ግን ሕጂ ውን ብፍጹም ኣይደንጎክን፡፡

ናይ ሙግዝነትን- ምርኻብን ኣርእስቲ

ብዙሓት ናባና ዝውከሳ ብዛዕባ መሰል ምግዝነትን ርክባት ምስ ደቅኻን ሕቶታት ይቕርባልና፡፡ ደዊልኪ ምሳና ክትላዘቢ፡ ሕቶታትኪ ኮነ ሓሳባትኪ፡ ስክፍታታትኪ ከተቕርቢ ትኽእሊ ኢኺ፡፡ ኣብ ዝኾነ ሰነዳት ውይ ጆርናል ኣይንምዝግቦን እና፡፡ 

ናይ ውሕስነት መደብ ምውጻእ

ብዛዕባ መደብ ውሕስነት ምውጻእ፡ ንጋል ኣንስተይቲ ክወርዳ ዝኽእል ስግኣትን ምልላይን ዘድሊ ምምሕያሽ ምግባርን ነዊሕ ተመኩሮ ኢዩ ኣለና፡፡  ነብስኽን ውላድክን ብኸመይ ከምተድሕኒ ደገፍ ክንኮነኪ ንኽእል ኢና፡፡ ከምኡ ውን ብኸመይ ስቱር መንነትን መዝገባ ነባርነት፡ ሕቡእ ኣድራሻን ተመዝግብ ክንተሓባበረኪ ንኽእልል ኢና፡፡  

ገለ ዘሻቕለኪ ኣሎ ድዩ?

ክትሓቲ ድፈሪ!
ቡዙሓት ክሓታ ይብርተዐን እዩ፡፡ ብጌጋ ግዳይ ጎነጽ ከምዝኾነት ተረዲኤያ ከይከውን ዝብል ጥንቃቔን ፍርሃትን ኣሎ፡፡

እቲ ኣገዳሲ መጻምድታ ኣብዘህልወሉ ግዜ ክትሕተት ኣለዋ፡፡ ከምኡ ውን ኣገዳሲ ይከውን እቲ ዝሓትት ነቲ ዝዋሃቦ መልሲ ድልው ክኸውን.

ምስማዕን ከም ዝሰማዕካ ምርግጋጽን!
ኣገዳሲ ኢዮ ከይፈረድካን ከይተቆጣዕካን እቲ ዘላቶ ኩነታታት ምስማዕ፡፡ 

ነቲ ዝገበረቶ ተቛውሞ ከትፈልጠላን ከተራጋግጸላን ይግባእ፡፡ ዋላእኳ ንሳ ተቛውሞ ዝገበረት ኮይኑ እንተዘይተሰማዓ ምስቲ ዘላቶ ኩነታት ሪኢኻ እኹል ትቛውሞ ኢዩ፡፡ ብዛዕባ መጻምድታ ኣሉታ ዘይምዝራብ እዚ ማላት ኣብ ምክልኻል ከኣቱ ዝለ ዘኽእል፡፡

ይመዝገብ!
እንድሕር ማህሰይቲ ርኢኽን/ካ ወይ ሓብሬታ ብዛዕባ ግዳይ ጎነጽ ወይ ምፍርራህ ኮይና ዝብል እንተሰሚዕኪ/ካ. ዝሰምዕክዮን ዝረኣኻዮን ዕለት ምምዝጋ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ናይ ፖሊስ መርመራ ምስዝካየድ ከም ኣገዳሲ ደጋፊን ናይ ምስክር ክጥቅም ይኽእል፡፡

ኣብ ፖሊስ ምምልካት!
ንሕና ከም መዕቆብ ደቂ-ኣንስትዮን  ቆልዑትን ኩሉ ግዜ ኣብ ፖሊስ ምምልካት ኢና ነማኽር፡፡ ገለ ድቂ-ኣንስትዮ ክጸንሓ ይደልያ፡ ካለኦት ካኣ ባዕለን ከመልክታ ኣይደፍራን፡፡ ኣብ ከምዚ ኩነታ ባዕልካ ከተመልክተለን ኢልካ ኣማራጺ ክትህበን ሓጋዚ ኢዩ፡፡ ኩነታ ኣስጋኢ ምስ ዝኽውን ወይ ኻኣ ሂወታን ጥዕናኣን ውይ ደቃን ኣብሓደጋ ከይህሉ ፍርሃት እንተ ኣሎ፡ ብቕጥታ ናብ ፖሊስ ምድዋል፡፡

ሓገዝ ክትህቡ ዶ ትደልዩ/ያ?

እንድሕር ንጥፈትና ክትሕግዛ ደሊኽን ብ ወፈያ መልክዕ ናብ ማዕከን ሕድሪ ጉንሂልድ ፎንድ (Gunhilds fond )ምኽፋል ይካኣል እዩ፡፡: እዚ ማዕከን ሕድሪ ኣብቲ ማሕበራዊ ደገፋት እኩል ዘይኮነሉ ኩነታት ን ድቂ-ኣንስትዮን ቆልዕትን ብ ቐጥታ ዝወዕል ሓገዝ ኢዩ፡፡ ኣብ ሕሳብ ባንክ ጊሮ (bankgiro) 5077-3670 ክውፈ ይከኣል፡፡ ከም ሓበሬታ ጉንሂልድ ፎንድ "Gunhilds fond" እልክን ጽሓፉ. ከምኡ ውን ብ ስዊሽ ( swish) 123 422 84 17 ክውፈ ይካኣል፡፡.

ህያባት ብምክንያት በዓላትን ውራያትን ወይ ን ስለ ዝክሪ ዝሞተ ሰብ ኢልካ ክውፈ ይካኣል፡፡

ናብቲ ከፋሊት ዝልእከልና ኣድራሻ ምስክር ድብዳቤ ናይ ወፈያ/ህያብ ክንሰድ ንኽእል፡፡  ብኸምዚ ኣጋባብ ክኸፍል ዝደሊ እንተሎ ብ ግዚኡ ተወከሳና ምስክር ወረቕት ከኣ ብ ግዝይኡ ክንሰደልክን፡፡